Sunday, October 14, 2012


 ንኺድ ድኣ ንኺድ ጥራይ!

ድምቀትና፡ ከም ድጕሒ ኣዒንቲ
እንተኸድና’ንድዮም ነቢሖም ብለይቲ
ጉዕዞና’ንድዩ ኣቕኒእዎም፡ ብቐትሪ።
ንኺድ ድኣ ንኺድ፡ ዝኸደ’ዩ ዚበጽሕ
ንድመቕ ድኣ ድምቀትና ኪመርሕ
ሓድነት እኳ’ዩ፡ ብርሃን ዘብርሕ
ጽንዓትና’ዩ ጸላኢ ዘብሕርር።
ጻዕርና፡ ጥዕና ከምዚኸልእ
ሰጉምና’ንድዩ ዓይኖም ደም ዝመልእ
ንኺድ ንጽዓር ድኣ፡ ዚጸበበ ይጽበቦ
ካብ ኢድና’ዩ ሕፍኒ፡ ካብ ኢድና’ዩ ካዕቦ።
ጽዋእ ርትዒ፡ ጎረሮ ክምዝሓርድ
ሓቕና’ንድዩ፡ ዘብሎም ስግድግድ
ተነሲሓ፡ ምስ ቆርበት ዓለም
ንበል ድኣ ቅልናን ሕድርናን’ዩ እቲ ቐለም።
ውህደት ረምታና፡ ኣብ ትኽሎን ኣብ ንቕሎን
ስምረት ቃልና ኣብ ‘ንገብሮን ‘ንብሎን
ጥምረትና ‘ንድዮም ዝስእንሉ ድቃስ
ማእዶና ዚምሑስ፡ ኣይነፈሰን ንፋስ።
ወግሐ-ጸብሐ ኣልመት ቀዪርካዩ ጽላሎት
ፍሕሶ ቅሑር ልቢ ናይ ቅንኢ ጻዕረ-ሞት
እንተሳጸና’ንድዩ ‘ዚ ኩሉ ሕንጣጦ
መንግስትና ኣሚና፡ ዓቐብ ይኹን ቁልቁል ብሓባር ክንወጾ
ተመስገን ልዕሌና መን’ሞ ከይፈልጦ።

ተ.ት. (ኣስመራ)

No comments:

Post a Comment