Saturday, September 22, 2012

ተዳሎ ህዝበይ (ካልኣይ ክፋል) ደንበ ሃገራውያን

 “…ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ፡ ብዛዕባ ፍቕር ሃገርን መሰልን፡ ብዛዕባ ዕብየትን ብልጽግና፡ ብዛዕባ ሓቦን ኒሕን፡ ብዛዕባ ጅግነንትን መስዋእትን፡ ብዛዕባ ስምረት ነጋሪት እንደኣወጁን እንዳተዛረቡን ኻበየ ቦቱኡ ዝነቕሉ “ተኾሉ” ንሃገርና የድሕና” እንዳበልኩ “እግዚኦ ኣድሕነኒ እምኩሉ እኩይ!” 

ባቢሎናውያን፡ ተዃሉ

ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዝተፈተነሉ ነዊሕን፡ መሪርን ብረታዊ ቃልሲ፡ መግለጺ ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ መንነቱን ሃገራውነቱን መሰሉን ንምዕቃብ ብተጻወርነት ዘካየዶ መኸተ፡ ኒሑን ጽንዓቱን ሓያል ከምዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ክሳብ ሕጂ ንዓለም ዘስተንከረ ልዕሊ ዓረ ዝተረረ ሓድነቱን ተወፋይነቱን፡ ኣብታ መሬት ጸቢባ ክንዲ ዕንቁ ትኸውን ትንፋስ ኣብ ዝሓትት ፈታኒ መድረኽ፡ ዝተርኣየ፡ ተስፋ ዘይምቑራጽ፡ ብጥሙር ሓይልን መንፈስን ኢዩ በሎኽ ኢሉ።
ኣብ ሕቶ ሃገርን መሬትን፡ እተካይዶ ቃልሲ፡ መሪርን ነዊሕን ስለዝኾነ፡ ምሳኻ ዝተጓዓዘ ተቃላሳይ ግን፡ ኩኩ ነቲ ቃልሲ ከምዝፈለሞ፡ ይዛዝሞ ኢዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋን ባህልን ዝሓቆፈ ትሽዓተ ብሄራት ዝቖመ ህዝቢ ኢዩ። እዚ ፍሉይ ያታን ልምድን ዘሎዎ ትሽዓተ ብሄራት፡ ኣብ ቃልሲ ሕቶ ኤርትራ፡ እቲ ትሽዓተ ብሄርን ቋንቋን፡ እቲ ዝተፈላለየ ባህልን ያታን፡ እቲ ዝተፈላለየ ልምድን ሃይማኖትን፡ ዝተመስረተ፡ ሃገርን መሬትን ንምምካት፡ ናብ ሓደ ሃገራዊ ቋንቋ ዜማ ኢዩ ዝቕየር። “ኤርትራውነት” ስለዚ፡ እቲ ናይ ውልቂ ፍሉይ ያታን ልምድን፡ ድማ ናብ ሓደ ደርማስ ሃገራዊ ባህሊ ተዋህሊሉ ይዅመር። ብሓባር ኮይኖም ከኣ፡ ሃገራዊ ባህልን ሓድነትን ኒሕን ኮይኑ ድማ ይስስን። እቲ ሓድነት፡ ከይብተኽ፡ ኣቲ ፍናን ከይሃስስ፡ እቲ ኒሕ ከይምስቅል ከኣ ብሃገራዊ ፍቕሪ ይዅስኮስ። ንሓዋሩ ከኣ ምስ ልምልሙ ኣቑጽልቱን ዕምባታትቱን ሕድርታቱ ብምዕቃብ ሃገር ናብ ምልማዕን ምህናጽን ናይ ሓባር ግዑዞ ይምርሽ።
እዚ ኣመር እዚ ካብ ቀዳሞት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣያታትን፡ ታሪኽ ወሪስና ናብዚ ሕጂ በጺሒናዮ ዘለና መድረኽ በጺሕና። እዚ ክብረት፡ እዚ ሓድነት፡ እዚ ኒሕ ግን ከምቲ ዘለዎ ኪቕጽል ዘይደሊይዎ ጸላእቲ፡ ቀጻሊ ፈተነታት ብምክያድ፡ ንሕቆ ኤርትራዊ ሓድነት ንምስባር ቀጻሊ ፈተነታት ዘካይዱ ግዳማውያንን ውሽጣዊ ጸላኣቲ ከምዘለው ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ኢዩ ሕጂ’ውን ዝርአ ዘሎ ኢዩ።
ጸላእትና፡ እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ኩሉ ወይ’ውን ብምሉእ ዓቕሞም፡ ህዝቢ ኤርትራ ከጽንቱ ዘይፈተንዎ፡ ፈተነታት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።  ቁጽርታት እንዳሰመኻ ዝተኻየደ ወራራት፡ ንብረት ህዝቢ እንዳመንዛዕኻ፡ ዝተኻየደ ቅትለትን ወራርን፡ ዘርኢ ኤርትራዊ ከይስስንን ከይቅጽልን፡ መህጸን ኣዴታት ብጓዲም ካራታት ክጥብሓ፡ ኣቦታትን መናእሰያትን ኣብ ፈቐዶ ጎደነታት ተሰቒሎም፡ ክድርበዩ፡ ኣብ ማሕዩር ኣትዮም፡ ፈረ-ነብሶም ተቐጥቒጦም፡ ዝሞቱን መኺኖም ዝተረፉ፡ ብናፖል ጋዝን ሓዊ ዝተለብለቡ፡ ብጅምላ ዝተቐተሉን፡ ብታንኪ ዝተሓምሸሹን….. ክንደይ እሞ ኢልና ክንዝርዝሮ፡ እዚ መሪር መድረኽ ብተጻዋርነት ሓሊፉ።
እዚ ኩሉ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ሀ” ኢሉ ሃገሩ ብትሽዓተ ቋንቋ ኣብ ሓደ ሃገራዊ መንፈስ ንምህናጽ ተበጊሱ። ራኢዩን ኣበጋግስኡን ቀልጢፉ ተኾሊፉ። እቶም ሕዳር ህማም፡ ዘለዎም ተቓነቕንቱን ጸላእቱን፡ ከኣ፡ ሰላም ዘየፍትዎሎም፡ ምዕባለ ህዝቢ ኤርትራ ዘይትዋሓጠሎም፡ ኮነ ኢሎም ኵናት ኣዊጆም። ትማሊ ኣብ ሓርነት ቃልሲ ዓሰርተ ሳዕ ብኸቢድ ሓጻውን ዝተበስዐ፡ በፋትል ሕክምና ተላጊባ ትኸይድ ንብሲ፡ ዝቖሰለ  ከይሓወየ፡ ዝደኸመን ዝሰንከለን ነብሲ ከይዕረፈ፡ ሰማእታቱ ክቡር ቦታ ከይተሓዘ፡ ካብ ጻት ክሳብ ጻት ዝረገፈ የዕጸምቲ ጀጋኑ ንቡር ቦታ ከይረኸበ፡ ዝባደመን ዝነደደን ገጠራት፡ ህይወት ከይረኸበ፡ ዝንኣሰን ዝኣበየን፡ ዋርሳይ ይከኣሎን፡ ብሓደ ቅኒት፡ ብዘይ ናይ ክተት ነጋሪት ነድሪ ተላዒሉ። ሃገር መኪቱ። ናይ ዝኾነ ይኹን ሓላፊ ትእዛዝ ከይተጸበየ፡ መሪቱን ዶባቱን ንምዕቃብ ሓያል መኸቱኡ ደጊም ሃገራውነቱ ኣመስኪሩ። ተዓዊቱ ከኣ።
እምብኣር ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት ምስ ስርዓት ወያነ ዝተኻየደ ኵናት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዶባቱ ጥራይ ኣይኮነን ብዓወት መኪቱ። ልዕሊ ኩሉ ነቶም ንዓመታት ኣብ እንግድኦም ሓዚሎም ብስውር ከካይድዎ ዚሓሰቡ ተንኮላትን ህዝቢ ንምድኻም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተዋፊሮም፡ ህዝቢ ተመሲሎም፡ ፍቕሪ ሃገር ክዕንዉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ክደፍሩ፡ መርዛም ተልእኾም፡ ህዝቢ ንምጽናት ብምንባሩ እዚ ሕጂ ኣብ ስደት ንርእዮ ዘለና ስነ-ኣእምሮዊ ኵናት ንቱ መቐጸልታ እምበር፡ ሕጂ ዝተበገሰ ኣይኮነን። እብ ውሽጢ 30 ዓመታት ዝተጠንሰሰ፡ ኣብ መወዳእታ 90’ታት ኪትግበር ዝተኣለመ፡ ብምንባሩ፡ ሳላ ጅግና ህዝብን መሪሕነትን ግን እቲ ሰንሰለት ላሕሊሑ፡ ኣይተበተኸን ግን።  
ኣብዚ’ዩ እምበኣር እታ ብዶክተር ክብርኣብ ፍረ ዝተጻሕፈት ኣገዳሲት መጽሓፍ “ባቢልዮን” ኣጸቢቕና ክነንብባን፡ ንድሕሪት ተመሊስና ተዘክሮታትና ክንሕድሽ ዝግባእ። ዶክተር ክብርኣብ ፍረ ነዛ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፊልም ተሰሪሓ ትርአ ዘላን መጽሓፍን፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ኩነታት ተራእይዎ ኢዩ ንኽጽሕፋ ዝወሰነ፡፧ ሽዑ ህዝቢ ብቃልዕ ዘይተርኣዮ፡ ከመይ ዶክተር ክብርኣብ ፍረ ክራእዮ ክኢሉ፧ እታ መጽሓፍ ሽዑ ግዜ እዋናዊት ዶ ነይራ፧ ዝብል ሕቶታት ኪብገሱ ስለዝኻሉ፡ ሓደ መዓልቲ ዕድል ረኺበ፡ ክሳብ ንክቡር ዶክተር ክብርኣብ ፍረ፡ ኣቲ መላሽ ክብኡ ምጽባይ ይሓይሽ። ኮይኑ ግን እዞም ባቢሎናውያን ኣብ ሃገርና ጥራይ ድዮም ዘለው፧ ብሓቂ ዶ እቲ ዝጋጠሞም ክሳራርታት፡ ውሒጦም ስቕ ኣይብሉን ድዮም፧ ካብ ውሽጢ ሃገር ወጺኦም፡ ሎሚ ኣብ ስደት ንዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ፍቕሪ ሃገሩን ህዝቡን ክህስሱ፡ ሓድነቱን ኒሑን ከቕምስሉ፡ ስነ-ኣእምሮዊ ኵናት ዘካይዱ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ? ነብስ ወከፍና ክንሓቶ ይግባእ። ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ስነ ኣእምሮዊ ኵናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝቢ፡ ንምብርካክ ተዋፊሮም ዘለው ብዓል መን ኢዮም ኸ፧ ዝብል ከባቢና ክንፍትሽ ኩነታቶም ወይ ህላዌነቶን ክንብርብር ናሕና ሃገራውያን ግደ ድኣ እምበር፡ ንሶም’ሲ ስርሖም ካብ ዝተሓሓዝዎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።
ስለዚ ኣብ ዘዘለናዮ ከባቢ፡ ንዓና ተመሲሎም ዚንቀሳቐሱ፡ ቋንቋናን ባህልናን ዚመልኩ፡ ጅግንነትናን ሓድነትናን ዝፈታትትሹ ውሑዳት ከምዘይኮኑ፡ ኣብ ኣብየተ ሃይመኖታዊ ማሕበራት፡ ኣብ ኮማዊ ማሕበራት፡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት….ኮታ ኣብ እነካይዶ ንጥፈታት፡ ደጋጊምና ደጋጊምና መን፧ መን፧ እንቅፋት ይፈጥሩ፡ ኢልና ክነላልዮም ይግባእ።
ሃገራውያን ተመሲሎም፡ ልዕሊ ሃገራውያን ኮይኖም ዝጠበቑ ከምዘለውና ፍሉጥ ኢዩ። ስርሖምን ተግባራቶምን ሃገራዊያን ከብሎም’ኳ እንተተከኣለ፡ ንዝሰርሕ ዘጸልሙ፡ ንዝተወፈየ ዘነኣእሱ፡ ሓሳባት ንዘቕረበ ዝነጽጉ፡ ካብቲ ሒዞሞ ዘለው ሓላፍነት ንዓመታት ሓደሽቲ ሓይሊ ከተኣታትው ዘይደልዩን፡ ጠለብ ናይቲ ዝመርሕዎ ኮማዊ ማሕበር ዘየማላኡ ከምዘለዉ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይመስለኒ።
ክቡር ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብጥሪ 1989 ዝጸሓፉዋ “ንዓኻ ንዕላማ ቍ.4 ከንብብ እንከለኹ እቲ ኣብ ኣርብዓታትኒ ሓምሳታትኒ ኣብ ሃገርና ዚርከብ ናይ ሓድሕድ ፍልስልስ ትዝ ይብለኒ’ሞ እስንብድ።….” ይብሉ’ሞ፡ ምላሽ ንዝህብሉ ዘለው ሰብ ወይ ልኡኽ ግን ኩነታቱ ኣዚዩ ስለዘሰንብዶም ቀጺሎም “…ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ፡ ብዛዕባ ፍቕር ሃገርን መሰልን፡ ብዛዕባ ዕብየትን ብልጽግና፡ ብዛዕባ ሓቦን ኒሕን፡ ብዛዕባ ጅግነንትን መስዋእትን፡ ብዛዕባ ስምረት ነጋሪት እንደኣወጁን እንዳተዛረቡን ኻበየ ቦቱኡ ዝነቕሉ “ተኾሉ” ንሃገርና የድሕና” እንዳበልኩ “እግዚኦ ኣድሕነኒ እምኩሉ እኩይ!” ዝብል ተሪርን ብርቱዕ ቃል ኣስፊሮም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እዚ ሎሚ “ባብሎናውያን” ወይ ናይ ሽዑ “ተኾሉ” በብግዚኡ ኪቕልቀሉ ምዃኖም ተረዲእዎም ነይሩ።
እዞም “ተኾሉ” ወይ ናይ ሎሚ “ባብሎናውያን” ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም፡ እቶም ሰማእቲ ሃገርና ዚዝምርዎ መዝሙር “ሓድነት፡ስኒት፡ ኒሕ፡ ጅግነት፡ ተወፋይነት፡ ብጻይነት፡ ልዕሊ ኩሉ ዓወት ንሓፋሽ ብማለት ሃገራውነት ዝነበረ ቅኒት” እዮም ዝዝምሩ ዘለው። “ንሕና ሃገራውያን ኢና።” ብዝብል ምስምስ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተዋፊሮም፡ ነቲ ዝተበገስሉ ዕላማ፡ ንምውቃዕ፡ ህልናን ከምዝዳኸም፡ ኣብ ኮማዊ ማሕበራት ተሳትፎና ከምዘይዕዝዝ፡ ኣባላት ሃይማኖታዊ ማሕበራት ኪመቓቐሉ፡ መናእሰያትና ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ከይዛተዩ፡ ኣዛውንቲ ኣቦታትናን ኣዴታትና፡ ክብረት ንኽይረኽቡ፡ ንዚተረፈ ዕድሜኦም ኣብ ሃይማኖታዊ ቦታታት ከይዶም ጸሎቶም ከይገብሩ፡ ኣብ ስደት ዚተወለዱ ኤርትራውያን ቋንቋኦምን ባህሎምን ንኸይማዕብሉ፡ ኮታ ኮነ ኢልካ ህዝብን መንግስትን ከም ማይን ጸባን ንኸይኸውን ብስውር ዚካየድ ዘሎ ስነ-ኣእምሮዊ ፈተነታት ካብ ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም ሓጻር ጽሑፍ ብዙሕ ኪንርዳእ ይግባእ።
እሞ እዞም “ተኾሉ” ወይ “ባብሎናውያን” ብኸመይ ኢና ክነቃልዖም ንኽእል፧ ከምቲ ንሳቶም ብዕቱብ ዚቃለስሉ ዘለው “ተንኮል ወይ ስውር ፈተና” ንሕና ሃገራውያን፡ ሕድሪ ተሰኪምና ክነብቅዕ ንሓንሳብ ንሓዋሩን ብኸመይ ንምክቶም፧ ግዳማዊ ዝኾነ ጸላኢ ኣላሊና ካብ ፈለጥና፡ እዞም ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም፡ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኤርትራውያን (እቶም ብቕሉዕ ዝንቀሳቐሱ ዘይኮኑ፡ እቶም ምሳና ሓቢሮም ዚጓዓዙ ማለተይ ኢዩ) ብኸመይ ኢና ካብ ከባቢና ንኣልዮም፧
ኣብ ዚቕጽል ክሳብ ዘራኽበና ኣምላኽ/ኣላህ ይባርኹም!

ዘይሃስስ ጓህሪ ዓዲ ሃገር ክትግብት
ኣብ ናይ መን ኮረቻ ኣብ ናይ መን ክትልብጥ
ህዝብና ኣጥፊእካስ ህዝብኻ ክትስርት
አ..ረ …. ንመን ንመን ኢኻ ክትትክእ ክትግልብጥ!
(ሙሉጌታ ካርያስ 2001) (ቀያሕ ኣብትብል ግጥማዊ መጽሓፉ)

No comments:

Post a Comment