Wednesday, September 26, 2012

ምስ’ዛ ትተዓጻጸፍ ዘላ ዓለምና፣ ምትዕጽጻፍ የድሊ (part 1)

ተጋዳላይ ነበር፡ ነጋዳይ ነበር፡ ጋዜጠኛ ነበር፡ ደራሲ ነበር፡ 



“ዝኾነ ሰብ ሓንቲ ኣደ እያ ዘላቶ ከምኡ’ ውን ሓንቲ ዓዲ (ሃገር) እያ ዘላቶ፡ ነዘን ክልቲአን መተካእታ ክኸውን ዝኽእል ከኣ ከቶ የሎን።” ውርዙይ ዝኾነ ኣዘራርባ። ወላዲት ኣደ ብዝኾነ ይኹን፡ ብልጫታት ክትልወጥን ክትዕደገን ከምዘይትኽእል፡ ዝተወለድናላ ሃገር’ውን መታካእታ ዘይብላ ሃገር ምዃና ፍሉጥ ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ ንውልቃዊ ረብሓ ኢልና፡ ንወላዲት ኣደ ክንሸይጥን ክንልውጥን ዓቕሚ እንተዘይብልና፡ ንጥቕሞም ክብሉ ሃገር ዚሸጡ ብዙሓት ከሓድቲ ነይሮም፡ ኣለው፡ ኪህል’ውን ኢዮም።


ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ክብሪ ወላዱ ዝልዓለ ቦታ ሒዙ’ኳ እንተረኸበ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ክመጽእ እንከሎ ግን፡ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነት፡ ነታ ዝወለደት ማህጸን፡ ንኸይትድፈር፡ ፡ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ይከፈል፡ መሰላን ክብራን ንምዕቃብ፡ መንነታን ህላውነታን ንምርግጋጽ ዚካየድ መሪር ቃልሲ፡ ተራባራቢ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሎሚ ኣብ ዓለምና ነቲ ብመትከል ዝተበገስሉ፡ ቃልሲ፡ ናብ መፈጸምትኡ ናብ ምብጻሕ፡ ጥቕምን ውልቃዊ ረብሓ ዘጥቅኦም ሓያሎ ኤርትራውያን፡ ኣንጻር ዝተበገስሉ ዕላማ፡ ሃገር ኣብ ምሻጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ 9 ኣዋርሕ መመላእታ ኣብ ሕቕፎ ማህጸና ሓዚላ፡ ንዓመታት ቀሊባን ዝዕበየት ኣደ’ውን ኣብ ዕዳጋ ብምውራድ አብ ጥልመት ዝሕደሩ “ጠላማት” ሰብ መሰል እንስታት ከምዘለው ክንፈልጦም ይግባእ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝሳጋገር ሓርበኛዊ ታሪኽ ዝዉንን ናይ ናጽነትን ሓርነትን ጎይታ፡ናይ ልምዓትን ምክልኻልን ዋልታ መዘና ኣልቦ ታሪኽ ንሃገሩ ደሙ ክዛሪ ኣብ ባርዕን ነድን ኣብ ሆሮሩማን ብዓትን ክሰፍርን ክገጥምን ብድሆ ንዝኾነ ጎነጽ ቅልጽመይ እንሆ ኣነ ንሃገረይ መስዋእትን ሞትን ዝብል ታሪኽ ዝዉንን ሕድሪ ሰማእታት ዝመትከሉ ሓርበኛ`ዩ። ብሕልፊ መንእሰይ ኣብ ሓምሳታት ህዝብና ናጽነቱ ክምንዛዕ ከሎ ከቢድ ተቓዉሞ ከምዝገበረን ግዳይ ማእሰርትን ሞትን ከምዝኾነን ታሪኽ ይነግረና። ህዝቢ ብሕልፊ መንእሰይ ኤርትራ እምበኣር ታሪኹ ታሪኽ መኸተን ጽንዓትን ታሪኽ ጅግንነትን ዓወትን`ዩ።

 ህዝቢ ኤርትራ ከምህዝቢ ከምዝቐዉም ምምሕዳሩ ብሕጊ እንዳባ ኮይኑ ብሰላምን ቅሳነትን ኣብ ነንሕድሕዱ ተኻባቢሩ ብስኒት ብሕዉነት ንናይ ሓባር ጸላኢኡ ብሓባር ኮይኑ እንዳመከተ ዝነበረን ዝነበረን ዝሎን ምዕቡልን ስልጡን ህዝቢ ኣብ ቢሄራቱን ሃይማናታቱን ቋንቋታቱን ልምድታቱን ተኻባቢሩ ኣብ ዓላም መዋዳደርቲ ዘይርከቦ ታሪኽ ዝዉንን ማለት ኣብ ዓለምና ሕጂ ሰልጢነን ዘለዋ ሃገራት ይኹና ወይ ኣብ መገዲ ምዕባለ ዘለዋ ድሕሪት ተመሊስካ ታሪኽ እንተ ገንጺልካ ብምቅትታልን ዓመጽን ብምዉራርን ጎነጽን ከምዝሓለፋ ታሪኽ ይምህረና፡ ምስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣማጻጽኣን ምዕባለን ከነማዛዝኖ ከለና ብዝኾነ መምዘኒ መዋዳድርቲ ኣይርከቦን፡ እዚ ሕጂ ዘለና ሓድነት ከኣ ዉጽኢት ናይ ክምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ጸጋና`ዩ።

እምብኣር እዛ ቃል “ዝኾነ ሰብ ሓንቲ ኣደ እያ ዘላቶ ከምኡ’ ውን ሓንቲ ዓዲ (ሃገር) እያ ዘላቶ፡ ነዘን ክልቲአን  መተካእታ ክኸውን ዝኽእል ከኣ ከቶ የሎን።”  ዝበለ ኣቶ ረድኢ መሓሪ ዝተብሃለ ብስም “ኣለና” ዝፍለጥ ተጋዳላይ ነበር፡ ነጋዳይ ነበር፡ ጋዜጠኛ ነበር፡ ደራሲ ነበር፡ ጠንቋላይ ነበር፡ ሕጂ ከኣ መራሒ ሃገር ኪኸውን ዝጓየይ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ኢዩ።

ብቐረባ ረኺበዮ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ሂወቱ ከጻውተኒ ተወኪሰዮ’ኳ እንተነበርኩ፡ ከምቲ ካብ ባህሪ ብጭልፋ ዝብሃል ትንክፍ ትንክፍ ኣቢሉ ኢዩ ሓሊፍዎ። ሰብ ኣበይ ይፈልጠኒ ኣይብሃልን ኢዩ። ኮይኑ ግን ምስቲ ምስ ኣቶ ረድኢ መሓሪ ዝገበርኩዎ፡ ዕላልን፡ ብዛዕብኡ ዝረኸብኩዎ ጭብጥታትን ብተኸታታሊ፡ ክጽሕፍ ክፍትን እየ።

ብዕድመ 75 ዓመት ከምዚገበረ ኢዩ ዝፍለጥ፡ ኮይኑ ግን ወዲ 60 ዓመት ኢዩ ባሃላይ ኢዩ። ዘረብኡን ቋንቋኡን ኩሉ ኢሳያስ ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ዕድሚኡ ኣትሪርካ ምስ ትሓቶ፡ ኢሳያስ ብ5 ዓመት ኢዩ ዝዓብየኒ እንዳበለ ቀጻሊ ኢዩ ዝዛረብ። ብዛዕባ ገድሊ ከመይ ተሰሊፉ፧ እንታይ ከ ኣበሪኪቱ፧ ኣብ ቶይ ብዙሕ ኣየድሃብኩሉን። ኮይኑ ግን ሃገራዊ ኮይንካ መዋእልካ ተቓሊስካ፡ እታ  ንኮ ናጽነት፡ ምስ መጋድልቱን፡ መሪሕ ውድቡን ኣብ 1991 ኣረኪቦም፡ ከብቕዑ፡ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት፡ እንታይ ኮን ተረኺቡ ኢዩ፡ ነቲ ትማሊ “ጅግና ውድብ! ጅግና መሪሕነት!” እንዳበለ፡ ኣብ ጽሑፋቱ ይኩን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣዘራርብኡ ዝምድር ዚነበረ፡ ሎሚ፡ ከምቲ ትማሊ ዘይኮነስ፡ ነቲ ጅግና ሰራዊት፡ ነቲ ጅግና መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ፡ ኣብ ጸርፊን ምቁንጻብ ኣትዩ ዝምድር ዘሎ። ኣንጻር ዚተበገሰሉ ዕላማ ጓስጓስ ኪገብር ዝወሰነሉ እንታይ ኮን ይኸውን፧ ብዝኾነ፡ ነቲ ንሱ በብግዚኡ ዚነግረና ጽልእን ቅርሕንትን፡ ንከታተሎ ኣለና። ነቲ ንሱ ልዕሊ 600 ገጻት ዝሓት መጽሓፈ ጽልኢ ኢሳያስ ኣንቢብናያ ኣለና። ኣብ ዓወደ-ዘተ (ዝርርብ) ፖል-ቶክ ዝኣክል ሰሚዕና ኣለና። እሞ እቲ ዝሰምዓናዮ ክሳብ ክንደይ ሓቂ ኢዩ። ኣሉታውን ኣወንታውን መልሲ ናይ ምሃብ ናሕና ግደ’ኳ እንተኾነ፡ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ ኣብ ኣሰመራ ካብ 1991-ክሳብ- 2005 ከመይ ዝበለ ሰብ ነይሩ፧ ስርሑን ንጥፈታቱን ከምቲ ንሱ ዝብሎ ድዩ’ስ ወላስ ካልእ ዝገደፎ ጸሊም ታሪኽ ኣለዎ፧ ኣብ ስደት ከ ብኸመይ ጀሚሩ፧ መን መን ከ ተሓባቢሮሞ፧ “ነባር ተጋዳላይ ወይ ገዲም ተጋዳላይ” እየ ኢሉ ዘታለሎም ገርሀኛታት ከ እንታይ ይብሉ፧ ኣብ ጋዜጡኡ “ትንቢት” ኣብ መጽሔቱ “ትንቢት” ዘቕርቦም ጽሑፋት ከ እንታይ ይመስሉ? እንታይ ከ መልእክቲ ነይሩዎም፧ ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ሓቢኡዎ ዝተበገሰሉ ጥጅእ ዕላማ ብቐዳምነት መን ኣበርዒኑዎ፧ ዝብሉ ተኸታታሊ ጽሑፋት፡ ካብትን ካብዝን ዝኣከብናዮ ጽሑፋት ናብ ህዝቢ ክነቕርቦ ኢና።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝገልጽክዎ፡ ጽሑፈይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ 1991-ክሳብ 2005 ኮይኑ ኣብ ስደት ካብ 2007 ኣቲሑዙ ኣብ ቶሮንቶን ሕጂ ከኣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ጀርመን ይኹን ሽወደን ኣብ ዚነበረል ግዜ ዘተኮረ ብምዃኑ፡ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ተወሳኺ ሓበሬታት እንተለኩም ጽሑፋት ክትሰድሉና ንላቦ።

ግንቦት 1991 ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ምስተረጋገጸ፡ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ ናብታ ዝተወለደላ ከተማ/ ገጠር ዛግር ኣይከደን። ከምቲ ኩሉ ተጋዳላይ ዚገበሮ ስድራ ቤት ንክርእይ ኣይተጓየየን። ኣሰመራ ሓድሽ ስለዚኮነቶ’ውን ኣይኮነን፡ ኮይኑ ግን፡ በቲ ንሱ ዚነበሮ ሓላፍነት ተጠቂሙ፡ ኣብ ስርዓት ደርጊ ወይ’ውን ወተሃደራት ደርጊ ዓስኪሮሙሉ ዚነበረ ቦታት ብምኻድ ኢዩ፡ መባእታ ረብሕኡ ንምርዋይ “ሀ” ኢሉ ኣብ ስርቂ ዝተዋፈረ። ካብ ቃኘው ናብ ቀሓውታ፡ ካብ ሰንበል ን35ኛ፡ ካብ ሓዝሓዝ ናብ ማርያም ግቢ፡ እንዳተወናጨፈ፡ ኣብ ሓላፍቲ (ናይ ደርጊ ሓላፍቲ) ዝቕመጥሉ ገዛ ብምኻድ፡ ብሎቖታ፡ ኣዋርቕን ገንዘብን፡ ዕዳጋ የውጽእ ኢሉ ዝገመቶ ንብረት ብምዝራፍ፡ ምስቲ ኩሉ ዝነበረ፡ ናይ ሓጎስ ስምዒት፡ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ኣሰመራ ሓጎሱ ኪገልጽ፡ ኣቶ ረድኢ መሓሪ ግና፡ ደድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ዚሕጎስ ዚበረ ህዝቢ ኣይተጓዓዘን፡ ነቲ ንሶም ብዘይ ሓላዊ፡  ልዳቶም ኣገፍቲኖም ንዝወጹ ትካላቶም፡ ብሕልፊ ኣብ ኣብያተ ቤት ስእሊ ብምኻድ፡ ኣብ መጻኢ ክስርሓኒ ይጠቕመኒ ኢዩ ዝብሎ ብምስራቕን ብምምንዛዕን ነቲ ኣብ ባረንቱ ብስም ሰበይቱ ዝኸፈቶ ቤት ስእሊ ወይኒ ምስክር እዩ።  እምብኣር ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ምጽናሕ ኣብ ኣሰመራ፡ ናብ ከረን ተጓዒዙ፡ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ብምክያድ፡ መፋርቕ መስከረም 1991 ናብ ዛግር ዚወረደ። እዚ ኩሉ ኪገብር ግን፡ ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለው ሓላፍቲ፡ ይተሓባበሩዎ ከምዚነበሩ ባዕሉ ረድኢ ዚዛረበሉ ሓቂ ኢዩ።

ርግጽ፡ ናቱ ምምላስ ናብ ዛግር፡ ከብ ስድራ ቤቱ ንላዕሊ፡ እታ ቅድሚ ናብ ሰውራ ምስላፉ ኣገዲዱ ዘጥነሳ፡ ጓል ዓዱ፡ ብሃንቀውታ ትጽበዮ ዚነበረት፡ ርእዩ ከምዘይርኣየ፡ ናይ እግዚሔር ሰላምታ ዚኸልኣ፡ ጨካን ሰብ፡ ንስድሩ ከማን፡ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበሮን። ዕላምኡ፡ ፍሉጥ ስለዚነበረ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ጨርቁ ጠቕሊሉ፡ ኣብ መዓስከር ተጋደልቲ ኣስመራ ኢዩ ተራእዩ። ኣብዚ መዓስከር ተጋደልቲ’ውን፡ ብዙሕ ሽግር ኣጋጢሙዎ ኢዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስ፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ብሓላዋ ዚተወሃቦ ሓላፍነት ተጠቂሙ፡ ስድራቤት ተጋደልቲ ክመጹ እንከለዉ ንብረቶም ይሰርቕን ከምኡውን ንተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ይዕምጽ ብምንባሩ፡ ብተደጋጋሚ ይቅጻዕ ኣኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፡ ላዕለዎት ሓላፍቲ ይተሓባበርዎ ብምንባሮም፡ ኣቲ መቅጻእቲ ቀሊል ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብቲ መዓስከር ኣብዚነበረሉ ግዜ ተጋደልቲ ደቂ ኣንስቲዮ ብምትሕብባር ክቀትልዎ ፈተነታት ኣካይደን ብምንባረን፡ ካብቲ መዓስከር ከምዚወጽእ ተገይሩ። ምስቶም ምስኡ ዝተሓባበሩ ኣብ ሓለፍነት ዘለው ብተደጋጋሚ ንዓመታት ቀጻሊ ብምርኻብ፡ ስልጣን እንተረኺቡ ክልምን፡ እንተዘይኮነ ከኣ፡ ክጣየስ ተደጋጋሚ ፈተነታት ብምክያድ ክሰልጦ እኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣብ መጨረሽታ፡ “ቃንዛ መውጋእቲ፡ ኣብ እግረይ ዘላ ኣይከኣልኩን፡…. ቀጻሊ ሕክምና የድሊየኒ ኣሎ፡…..” በጃኹም እንዳበለ፡ እታ ንስልጣን ዚሓሰባ፡ ተንኮል ስለዘይሰለጠቶ፡ ናብ ምጥያስ ኣዘንቢሉ። እቲ ዝገርም ከኣ፡ 1988 ኣብ ከባቢ ባረንቱ ዚተካየደ ኵናት ተሰሊፉ ብምንባሩ፡ ብጾትቱ ነታ ሕጂ “መውጋእቲ” ዝብላ ዘሎ፡ ባዕሉ ተኵሱ ከምዘቁሰላ ኢዮም ዚዛረቡ።

ድሕሪ ናይ 2 ዓመትን 9 ኣዋርሕን ከኣ፡ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ናብ ስልጣን ምድያብ ዘይኮነ፡ ካም ካልኣይ ደረጃ ዚሰርሓሉ ዚነበረ ምጥያስ፡ ዕድል ረኺቡ፡ ምስቲ ገና ኣብ1991 ክኣትው እንከሎ ዚዘመቶ ናይ ስርዓት ደርጊ ኣዋርቕን ገንዘብን፡ በቲ ካብ ካናዳን ጀርመንን ዘለዋ የሕዋቱ፡ ሓግዛኒ ተጣይሰ ስለዘለኹ ኣብ ንግዲ ክዋሳእ ብማለት፡ መጀመርታ 1995 ናብ ንግዲ ብዕሊ ኣትዩ። እዚ 1995 ብዕሊ ደኣ ኮይኑ ምስ ተጣየሰ’ምበር፡ ገና ከይተጣየሰ እንከሎ’ውን ካብ ኣሰመራ ናብ ሑመራ ይመላለስ፡ ምስ ሓዉ ኣብ ንግዲ ስምስምን ቢራን ተዋፊሩ ነይሩ ኢዩ።

ብሓቂ ዶ ኣብ ቅኑዕ ንግዳዊ ትካል ተዋፊሩ ነይሩ፧ ኣብ ሓጺር ግዜ ከ እኩል ገንዘብ ከጥርይ ዝከኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ብሓቂ ዶ ኣብ ምስግጋር መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተዋፊሩ ነይሩ፧ እስኪ ካብቶም ኣብ ከተማ ባረንቱ ተዓሚጸን፡ ክብረን ዚተደፈረ ኤርትራውያን፡ እንታይ ይብላ፧ ርክብ ምስ ብሓላፍነት ዘለው ሰበ ስልጣናት ኤርትራውያን፡ ድሕሪ ናብ ስደት ምውጽኡን ኣንጻር ህዝቢ ኣብ ዘካይዶ ጓስጓስ ንምንታይ ኣይቋረጸን፧ ዝብል ጽሑፋት ኣብ ቀጻሊ ክሳብ ዘራኽበና፡ ዕድመን ጥዕናን ንህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላምን ቅሳነት ንሃገርና።

ይቕጽል



ዓወት ንሓፋሽ
ሓድነትና ይደልድል!
ኣንጻር ውሽጣዊ ጸላእቲ ብዕቱብ ንቃላስ!

No comments:

Post a Comment