Thursday, September 20, 2012

ቀዳማይ ክፋል (ደንበ ሃገራውያን)


ባቢሎናውያን

ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ጽሑፋይ ምእታወይ፡ ክቡራት ኤርትራውያን፡ ሰላምታይ ይብጽሓኹም። ኣብዘዘለኹሞ፡ ዕድመን ጥዕናን፡ ይምነየልኩም፡ እዛ ክብርቲ ሃገርና ከኣ፡ የእዳዋ ዘርጊሓ ትጽብየና ስለዘላ፡ “ሃየ” ድኣ፡ ንሕናውን ብሰላምን ብፍቕርን፡ ብስኒትን ብሕድሪን የእዳውና ዘርጊሕና ንሕቖፋን ነማሙቛን።
“ባቢሊዮን” ብዶክተር ክብርኣብ ፍረ፡ኣብ መፋርቕ 90’ታት ተጻሒፋ ምስተዘርገሐት፡ ክሳብ ክንደይ ዓሙቕ መልእኽቲ ሓዚላ፡ ኣንባቢ ብግቡእ ዝተኸታተላ ኣይመስለንን። ድሒሩ ግን ኵናት ወያነ ኣብ 1998 ምስተልዓለ፡ ምስቲ ኩሉ ዝነበረ ጸገማትን ምክልኻልን፡ መስዋእትታትን ስንክልናን ተኸፊሉ፡ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምስተዛዘመ፡ እዛ መጽሓፍ፡ ዓቢ ትምህርቲ ከምዝሃበትና ዘይንስሕቶ ሓቒ ኢዩ።
ሎሚ፡ ካብ መጽሓፍ ሓሊፋስ፡ ብፊልም ተሰሪሓ። ናብ ህዝቢ ምስ ቀረበት፡ ዓቢ ኣድናቆት ዝረኸበት፡ ብምዃና፡ ንድሕሪት ተመሊስና ምስ ህልው ኩነታት ክነመዛዝን እንከለና፡ ኣብ እንምስርቶ ኮማዊ ማሕበራት፡ ሃይማኖታዊ ማሕበራት፡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ሽማግለ በዓላት፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰያትን ማሕበራት፡ ልእሊ ኩሉ ከኣ ኣብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ትካላት፡ ሃገራውያን ተመሲሎም “ባቢሎናውያን” ከምዘለውና ክንዝንግዕ የብልናን።
ሎሚ ብረት ዓጢቕካ፡ ኵናት ምክያድ ብጕሑድ ዝተረፍ’ኳ እንተኾነ፡ ስነ-ኣእምሮዊ ዓብሊሉ፡ ኵናት ብርዓዊ፡ ኵናት ማህጸናዊ፡ ኮታ ብሰላሕታ ዝካየድ ኵናት ኣዝዮ ብዙሕ ስለዝኾነ፡ ከም ኣመጻጽኡ ክትገጥሞን ክተፍሽሎን ግድን ይኸውን።
እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዓይነት ስነ_ኣእምሮዊ ኵናት፡ ምናልባት ሕጂ ተጋሂዱ ይርአ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ግዜ ሰውራዊ ኵናት’ውን ይርአ ብምንባሩ፡ ህዝብና፡ ብጅግንነት ከምዝመከቶ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።
ህዝብና፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ንሓንቲ ጥምርትን ሓድነታ ነቕ ዘይብል ሃገር፡ ህዝባ ተኸቢሩን ተፋቒሩን፡ መሬታን ማያዊ ዶባታት ተሓንጺጹ ክብርታት ተሓልዩ፡ ምስኩለን ጐረባታ ሃገራት ብሰላም ክትነብርን፡ ብልጽግትን ምዕብልትን ንኽትኸውን ዝተካየደ መሪር ቃልሲ ከቢድ ከምዝነበረ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ገዛ ኣብ መንደቕ ብክብሪ ተሰቕሎም ዘሎ ብሉጻት ሰማእታት ኤርትራውያን ይመስክር።
ክብርታት ወይ መስዋእቲ ክንብል እንከለና ግን፡ ብቐሊሉ ተገሊጹ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዛ ሕጂ ከም ሃገር “ኤርትራ” ኢላ ትጽዋእ ሃገር፡ ነቲ ንዘመናት ተነፍጕዋን ክብራን መሰላን ተነጺጕ ኣብ መግዛእቲ ክትቍረን፡ ብሽርሒ ደቂ ሃገርን ናይ ወጻእተኛታት ኢድ፡ ዝተሓወሶ፡  “ኤርትራ ብኤርትራውያን” ብዝብል ተበግሶ፡ ዝተኸፈለ መስዋእትን ስንክልናን ዘሰከማና “ሕድሪ” ስለዘሎ፡ ነዚ ምስ እነተግብር፡ ነቲ ንሶም ዝጀመርዎ ቃልሲ ናብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ዘለና ሓላፍነት፡ እምብኣር መዓልታዊ ወፊርና ንገዛ ክንምለስ እንከለና ነቶም ኣብ መንደቕ ተሰቒሎም ዘለው ብሉጻት ሰማእቲ ርኢና “ሳላኻትኩ” ክንብልን “ሕድሮም” ኣብ ደምናን ልብና ከምዘሎ ክንነግሮም ይግባእ።
ሃገር ነጻ ክትከውን፡ ህዝባ ካብ መግዛእታዊ ባርነት ንኽወጽእ፡ ካብ 1961 ብረታዊ ቃልሲ ክፍልም እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቃሊሱ። ክሉ ዝተቃለሰ ግን “ሃገራዊ” ኢዩ ክብሃል ኣይከኣልን። ሕቡእ ኣጀንዳ ሒዞም ናብ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ውሑዳት ኣይነበሩን። ካብ ተራ ተጋደልቲ ክሳብ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ተጋደልቲ፡ “እንክዝሕሎም ብጻብእቶም፡ ክውዕዮም ብማንካ..” ዝዓይነቶም ተጋደልቲ፡ ሓለፍቲ ነይሮሙና ኢዩም። ንዝካይድዎ ናይ ስለላ ስርሓት ከይተፈለጡ፡ ኣብ ኣፍደገ ናጽነት በጺሖም፡ ኪኖ ናጽነትውን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ዝተዋፈሩ “ቁርዲዳት” ደማና ኪመጽዩ፡ የዕጽምቲ ሰማእታትና ዝፍሕሩ፡  ከምዘለው እዚ ስነ-እእምሮዊ ኩናት ኣጸቢቑ ክምህረና ይግብኦ።
ናጽነት፡ ከም ናጽነት መጠን ክነስተማቕራ ኣብ ዝተበገስናሉ፡ ብዝተረኸብ ዓወት፡ ሰማእታትና እንደዘከርናን፡ ስድራቤት ሰማእታትን ስንኵላትና እንደሓብሓብና፡ ንዝዓነወ ንብረት፡ እንደሃነጽና፡ ንዝባደመ መሬት እንዳልማዕና፡ ህዝቢ ናብቲ አብሃንቀውታ ዝጽበዮ መነባብርኡ፡ ፍሑኽ ኢሉ ከመሓይሽ፡ ብሰንኪ መግዛእትን ቀጻሊ ኩናት ዝተሰደ ኤርትራዊ ናብ ሃገሩ ንምምላስ ኣብዚተዳለወሉ፡ ሓድነት ህዝቢ ደልዲሉ፡ መንግስታዉን ብሕታውን ትካላት መትከላቶም ሓንጺጾም፡ ማሕበራዊ ቁጠባዊ፡ ጸዓታውን ትምህርታውን ንጥፈታት፡ ኣብ መስርሕ ተተግቢሮም፡ ህዝቢ ፡ “ሀ” ኢሉ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝነገሳ ሃገር፡ ቀሲኑ ለይትን መዓልትን ወፊሩ፡ ሕድሪ ተሰኪሙ፡ ንምዕባለ ፋሕተርተር ኣብ ዝብለሉ እዋን፡ ኵናት ስለዚተልዓለ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተዓመታት፡ ዝተርኣየ ጸገማትን ከቢድ ሰባኣውን ማሕበራውን ቁጠባን ክሳራታትን  ብቐሊሉ  ዘይግመት ኢዩ።
ርግጽ ኢዩ፡ እቲ ኵናት ብቐሊሉ ክፍታሕ’ኳ ይከኣል እንተነበረ፡ ንዘጓነፈ ክሳራታትን መስዋእትን ገዲፍካ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ግን ወሳኒ ብምንባሩ፡ ሃገር ዳግማይ ውሕስነት ናጽነት ንምኽባር፡ መሰላ ንምሕላው፡ ሕድሪ ሰማእታት ከንቱ ኮይኑ ንኸይተርፍን ባሕራን ዶባታታን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተሓንጺጹ ዘልኣለማዊ ክብር ረኺባ ባንዴራ ህዝቢ ኤርትራ ኣንበልቢላ ዳግማይ “ኤርትራ” ክትጽዋእ ዝተኻየደ ኵናት ብምንባሩ፡ ጸላእትናን ተሓባበርቶምን ዕረ ጥዒሙዎም ካብ ጌጋታቶም ዘይምሃሩ፡ ቀጻሊ ፈተነታት ንምክያድን ንህዝቢ ኤርትራ ዝኽፈል ከፊሎም፡ ምስ ዝተሓባበር ተሓባቢሮም፡ ምስ ታሪኻውያን ጸላእቲ ተሻሪኾም፡ ክሳራታቶም ከየገደሶም ቀጻሊ ፈተነ ብጉሑድ ኵናት ዘይኮነ ነዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ስነ ኣእምሮዊ ኵናት ተታሓሒዞም ይርከቡ።
ስነ-ኣእምሮዊ ኩናት ክንብል ከልና፡ ፖለቲካዊ ጸቕጥታት፡ ኣብ ስደት ተወለዱን ዝርከቡ ኣኤርትራውያን ምስ ህዝቦምን መንግስቶም ርክብ ንከይህልዎም ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ሓድነት ምብትታን፡ ነቶም ኣብ ስደት ዝተወለዱን መናእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ትምህርቶም፡ ስርሖም እንቅፋት ከምዚረኽቡ ምግባር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበራት ተጸንቢርካ፡ ንህዝቢ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ምፍልላይ፡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ሓላፍነት ተሰኪምካ፡ ንስፖርታውያንን ንጡፋትን ውሽጣዊ ጎንጺ ምፍጣር፡ ኣብ ኮማዊ ማሕበራት ጉዱስ ተመሲልካ ብምውሳእ፡ ብሓሳብን ርእይቶም ነንሕድሕድ ምፍንጫሕ፡ ገርሕታት ንደቂ-ኣንስትዮ፡ ብፍቕሪ ተጸሚድካ፡ ኣብ ማህጸነን ምፍታሽ፡ ኣብ ፌስቲቫላትን ከም ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓላት ተመሲልካ፡ ዝካየድ ፌስቲቫል ኮነ ምርኢት ዕውት ንኸይኸውን ሰላሕታዊ ስርሓት ምክያድ፡ ኣብ ኣብየተ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ሰራሕተኛታት ተቋጺርካ፡ ንተገልጋሊ ህዝቢ ምቁንጻብን ምክልባትን፡ ዘየገባብ ስርሓት ብምክያድ ህዝቢ ኣብ ሃገሩን መንግስቱን ጽልኢ ንኽሕድር፡  ስለዚ እዚ “ኤርትራ ንምንብርካኽ ሓድሽ ስትራተጂ፡ ተኸቲልካ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ስደታኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዘካይዶን ኣባል ኣብዝኾነሉን ማሕበር ስነ-እእምሮዊ ኩናት” ንምክያድ፡ ጸላኢ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሓገዝ ብምውፋር፡ “ኤርትራ ንምብርካኽ ብኤርትራውያን” ብዝብል ሓድሽ ፈተነ፡ ካብ ዚነቅል ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዊኪሊክስ ዝተሓበረ፡ ስርዓት ኣመሪካ፡ ብኣብ ኣስመራ ዝርከብ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ዘመሓላለፎ ምስጢራዊ መልእኽቲ፡ “ ንመንግስቲ ኤርትራ ብኵናት ክስዓር ስለዘይክእል፡ ወይ’ውን ተፈቲኑ፡ ኣድማዒ ዝኾነ ዓወት ስለዘይተረኸበ፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራውን ዘተኣማምን ምንቅስቓስ ወይ’ውን ናዕቢ ክመጽእ ኢልካ ክግመት ዝለዘይክእል፡ እንኮ ምርጫ ወይ’ውን፡ እታ ቀንዲ ክተስርሓና ትኽእል፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ናዕቢ ዝልዓል ኣይመስልን ኮይኑ ተሪፉ ወጻኢታትና ክብ ብምባል፡ ዘየቋርጽ ሓገዝ ብምሃብ ወፍርና ኣብ ስት ናብ ዘለው ኤርትራዊያን ተቕናዕና ይሓየሽ…” ብዝብል፡ ሎሚ፡ ብኣሽሓት ዝተዋፈሩ ኤርትራውያንን፡ ኤርትራውያን ዝመስሉን፡ ደምና ክጽንቅቑ ከም ቁርዲድ ለጊቦሙና ስለዘለው፡ ቀጻሊ ዝኾነ መኸተን ጓስጓስን ክነካይድ ይግባእ።


2 comments: